pfeil_startseite

ናይ ኣበጋግሳ ኵነት

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምና ዝመጹ ነኣሽቱ መንእሰያት፡ መዓልታዊ፡ ናብ ቀንዲ መደበር ባቡር ናይ ከተማ ሙኒኽ ይበጽሑ። ብዛዕባ ሃገርና ኰነ ኣብ’ዚ ብዛዕባ ዝጽበይዎም ነገራት ዝፈልጥዎ ሒደት እዩ – ካብ’ቲ ኣብ ሃገራት መበቆሎም እንከለዉ ዝነበሮም ዝሓሸ ህይወት ክመርሑ ከምዝኽእሉ ንዘለዎም እምነት ሓዲግካ። ኩሉ ሳዕ፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ ሃዋህው እዚ ከመይ ገይሮም ኪዋስኡ ከምዘለዎም ርግጸኛታት ኣይኰኑን። ሓያለይ ጦብላሕታታቶም ሓደስትን ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጥዎምን እዮም። ከም ትሕተ-ምድራዊ መጓዓዝያን ማሽን ናይ ትኬትን ብዝኣመሰሉ መሳለጥያታት መጓዓዝያ ይሽገሩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ነፍሲወከፍ መጥወዪ ዝጸንሕዎም ናይ መወዓውዒ መልእኽትታት ኰነ እቶም ንዕኦም ዘይርዱኣት ዝዀኑ ሕጋጋት ዝመጸ እውን ተመሳሳሊ ብድሆ የጋጥሞም።
ብዛዕባ እቶም ኣብ ነፍሲወከፍ መጥወዪ ዝጸንሕዎም ናይ መወዓውዒ መልእኽትታት ኰነ እቶም ንዕኦም ዘይርዱኣት ዝዀኑ ሕጋጋት ዝመጸ እውን ተመሳሳሊ ብድሆ የጋጥሞም።
 
ያለይ ነገራት ኣብ ሃገራት መበቆሎም ፍልይ ብዝበለ ሕጋዊ ኣገባብ ዝተሓዙ ኰይኖም፡ መዓልታዊ ህይወት ናይ ሃገራቶም ድማ ብኻልኦት ዓይነት መሰረታውያን ጠለባት ዝጽሎ እዩ። እዚ ናይ ሕሉፍ ተመኵሮ እዚ፡ ነዞም ነኣሽቱ መንእሰያት እዚኣቶም ኣብ’ዚ ሓድሽ ሃዋህው ኣትዮም ናይ ገዛእ-ርእሶም መገዲ ከየጣጥሑ ክጽግሞም ይኽእል እዩ።

ዕላማ ናይ’ዚ ናይ ‘እንቋዕ-ብደሓን-መጻእኩም’ መምርሒ

ምስ’ዚ ናይ እንቋዕ-ብደሓን-መጻእኩም መምርሒ እዚ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ ኵትትና ዝርከቡ ይኹኑ ህጻናት ዕቑባት ስደተኛታት፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ ሃዋህው ኣትዮም ናይ ገዛእ-ርእሶም መገዲ ከየጣጥሑ ብዛዕባ ዝኽእሉ መገዲ ብመገዲ ሓጸርቲ ሰነዳት ቪድዮ ጠቐምቲ ሓበሬታታት ክቐርቡሎም እዮም። እዞም ናይ ቪድዮ ሰነዳት እዚኣቶም ኣጠንቃቒ ወይ ገናሒ ኣቀራርባ ንኽህልዎም ዝተዳለዉ ኣይኰኑን።
 
ዕላማ ናይ’ዚ ፕሮጀክት እዚ ሓደ ሓድሽ መጻእተኛ ኣብ’ዚ ቦታ እዚ እግሪ ንኽተክል መበገሲ ሓበሬታ ኣብ ምስናቕ ዘተኰረ እዩ። ቀንዲ ሸቶና፡ ነኣሽቱ መንእሰያት ንመዓልታዊ ህይወቶም ንኽዋጽኡሉን ኣብ ማሕበረ-ሰብና ኣብ ምስታፍ ብዛዕባ ዘለውዎም ኣማራጺታት ንኽፈልጡን መገዲ ምሕባር እዩ።
እዚ ፕሮጀክት እዚ፡ እቶም ነዞም ናይ ቪድዮ ሰነዳት እዚኣቶም ኣብ ምፍራይ ዝሳተፉ ዕቝባት ስደተኛታት ይኹኑ ካልኦት ነኣሽቱ መንእሰያት ኣብ ኩሎም ደረጃታት ንጡፋት ተሳተፍቲ ከምዝዀኑ ተገይሩ ዝተነድፈ እዩ። ንሳቶም ኣብ ምምራጽ ኣርእስትታት ድዩስ ምፍራይ ናይ’ዞም ሰነዳት ቪድዮ ልዑል ተሳታፍነት ኣለዎም። እዚ ድማ እቶም ዝምረጹ ኣርእስትታት ምስ መሰረታውያን ጠለባት ናይ’ቶም ናብ’ዚ ናብ ከተማ ሙኒኽ ዝኣትዉ መንእሰያት ልዑል ምትእስሳር ንኽህልዎም ዝሕግዝ እዩ።
 
እቶም ደገፍ ዝገብሩሎም ወገናት መማህራን ሚድያ ናይ ማእከል ሚድያ ጀይ.ኤፍ.ኤፍ. ሙኒኽ - ትካል ትምህርቲ ሚድያ ኣብ ስነ-ፍልጠጣዊ መጽናዕትን ልምምድን፡ ከምኡ’ውን ቦርድ ምኽሪ ናይ ወከልቲ ዝተፈላለያ ትካላትን ኣብ ስግረ-ባህላዊ ዕማማት ዝነጥፋ ማሕበራውያን ትካላትን እየን። እዚ ቦርድ ምኽሪ እዚ ኣብ መዳይ ምምራጽ ኣርእስትታት ይኹን ምጽዳቕ ናይ’ቶም ዝፈርዩ ሰነዳት ቪድዮ ከም ኣማኻሪ ኣካል ኰይኑ ዝነጥፍ እዩ። እዚ ድማ እቲ ዝለኣኽ ትሕዝቶ ካብ ዝዀነ ይኹን ጌጋ ትርጉም ናጻ ንክኸውን ዝሕግዝ እዩ።

ኣርእስትታት ናይ’ዚ ናይ እንቋዕ-ብደሓን-መጻእኩም መምርሒ

ነፍሲወከፍ ሰነድ ቪድዮ በዚ ናይ እንቋዕ-ብደሓን-መጻእኩም መምርሒ ብቐሊሉ ዝልለን ዝያዳ ርዱእን ምእንቲ ክኸውን፡ ኣብ ሓደ ዓይነት መወከሲ ንድፊ ኣድቂልካ ዝተዳለወ ክኸውን እዩ። ነፍሲወከፍ ሰነድ ቪድዮ እንተበዝሐ ናይ 3 ደቓይቕ ገደብ ግዜ ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ገጽ መርበብ ሓበሬታ www.MY-WelcomeGuide.de ከምኡ’ውን ኣብ መስመር MY-WelcomeGuide ናይ ዩ-ትዩብ ዝርከብ ይኸውን።
ነፍሲወከፍ ኣርእስቲ ብሓገዝ ናይ ነኣሽቱ መንእሰያት ዝተተርጐመ ቅዳሕ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ብቛንቋታት እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ዳሪ፡ ዓረብ፡ ሶማልያን ጀርመንን ዝተዳለዉ ሰነዳት ቪድዮ ኣለዉ። ብዘይካ’ዚ፡ እዞም ሰነዳት ቪድዮ እዚኣቶም ብዘይ ድምጺ ከይተረፈ ርዱኣት ከምዝዀኑ ጌርካ ዝተዳለዉ እዮም። ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ዝሓቘፉ ሓያለይ ቪድዮታት በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ተዳልዮም ኣለዉ፦ ኣብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ www.MY-WelcomeGuide.de ብጥርኑፍ ዝርከቡ ኰይኖም፡ መሳጥን ሓበሬታዊን ዝዀነ ኣቀራርባ ኣለዎም።

ንድፊ ናይ እንቋዕ-ብደሓን-መጻእኩም መምርሒ

እዞም ናይ ቪድዮ ሰነዳት እዚኣቶም ሓበሬታ ንምስናቕ ዝተዳለዉ ኰይኖም፡ ኣዘናጋዒ ኣቀራርባ እውን ዘለዎም እዮም። ከምኡ’ውን ግዱሳት ወገናት፡ ተበግሶኣዊ ኣካላትን ትካላትን ኣብ መዳይ ኣገልግሎት ምኽርን ኣጋጣሚታትን ንኽጥቀሙሎም ቅሩባት እዮም። ምምሕዳር ናይ’ዚ ፕሮጀክት እዚ ኣብ ማእከል ሚድያ ጀይ.ኤፍ.ኤፍ. ሙኒኽ እውን ይርከብ እዩ።
እዞም ሰነዳት ቪድዮ እዚኣቶም ኣብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ www.MY-Guide WelcomeGuide.de ንኹሉ ሰብ ብናጻ ዝተዘርግሑ ኰይኖም፡ ከም እንደገና ክዝርግሑ እውን ይኽእሉ እዮም።
Back to Top